ዘይከም ቅድሚ ሕጂ፡ ቫቲካን፡ ጾታዊ ገበን ንዝፈጸሙ ዜጋታት፡ ኣብ ክንዲ ብስቱር፡ ብቓልዕ ክትውንጅል ምዃና ጳጳስ ፍራንሲስ ገሊጹ። በዚ ድማ ንኣርብዓ ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ ሕጊ ከም ዝቕየር ክገብር እዩ።
ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ቫቲካን፡ ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ ቆልዑ፡ ጾታዊ ምትንኻፍ ምግባር፡ ናይ ቆልዑ ስእለ ጽዩፍ ምውናንን ዝኾነ ዘይሕጋዊ ጾታዊ ተግባራት ከም ዝሽፈን ምግባር ብሕጊ ዘቕጽዑ ኽኾኑ እዮም። በዚ ድማ ጒዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ክንዲ ንሰብመዚ ቫቲካን ጥራይ ዝግደፍ፡ እቲ ጒዳይ፡ ብፍሉጥ ሕግን ብቓልዕ ዘቕጽዕን ገበን ክኸውን እዩ። በዚ ድማ ከምዚ ዝኣመሰሉ ጥሕሰት ሕግታት ክጐድል እዩ ዝብል እምነት ኣሕዲርና ኣሎና ክብል ጳጳስ ፍራንሲስ ገሊጹ’ሎ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንቀኖናውያንን ክኢላታት ሕግን ብምምኻር ንኽዳሎ ልዕሊ 11 ዓመታት ከም ዝወሰደ ተመልኪቱ’ሎ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ቫቲካን፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተፈጺሞም ዝተባህሉ ኣሽሓት ጥርዓናት ጾታዊ ምድፋርን ብሰብመዚ ክግበር ዝጸንሐ ምስታር ገበንን፡ ክተፍጽም ምጽንሓ ጸብጻብ ቢቢሲ ይገልጽ። በዚ ድማ ግዳያትን ነቐፍቲን እቲ ዝጸንሐ ሕጊ ንውሁብ ኲነታት ጾታዊ ስነምግባር ክምልስ ዘይክእልን ብሉይን ምዃኑ ክወቕሱ ምጽንሖም ሓቢራ። ብመሰረት እዚ ኣብ ዝመጽእ 8 ታሕሳስ ዝጸድቕ ሓድሽ ሕጊ ኑዛዜ ሰባት ምቕዳሕ፥ ምጥፍፋእን ምቕባእ ደቀንስትዮን ክኽልከሉ እዮም።