ክኢላታት ሽወደንን ኣውሮጳን ብ “3D ፕሪንተራት” ዝፈርዩ ዘለዉ ብረታት ኣመልኪቶም መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም። እዞም ብ
3D ፕሪንተራት ዝፈርዩ ዘለዉ ብረታት ተኸታቲልካ ዋንነቶም ከተረጋግጾ ዘሸግሩ ብምዃኖም ብሓደ ወገን፡ ኣፍረይቶም ከኣ ምስ
ዝኾነ ገበናዊ ጒጅለ ምትሕሓዝ ዘለዎም ብዘይምዃኖም በቲ ኻልእ ወገን፡ ዓብዪ ብድሆ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።
ምስልታት ብረታት ብኦንላይን ብቐሊሉ ዝርከቡ ምዃኖም እቲ ናይ ምሕታም ቴክኖሎጂ ኸኣ ኣዝዩ ምርቓቑ ነዚ ሽግር
ኣጋዲድዎ’ሎ ክብል ኣብ ብራስለስ ዝመደብሩ ክኢላ ምስግጋር ኣጽዋር ኒልስ ዱኬት ኣመልኪቱ’ሎ።