ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ፍቃድ መንበሪ ደረጃ ምድላይ ተለዋጢ ሓለዋ ( status som alternativt skyddsbehövande) ዘለዉ ሰባት ስድራኦም ናብ ሽወደን ንኽመጹ ፍቓድ መንበሪ እንተመልኪቶም ሕድገት ረቓሒ ጽግዕተኛነት ተጌሩሎም ምጽንሑ ይፍለጥ። እዚ ፍሉይ ሕድገት ኣብ መዓልቲ ጥቅምቲ 20 ከብቅዕ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ ነቶም ኣብዛ መዓልቲን 2o ጥቅምትን ድሕሪኡን ናብ ቦርድ ስደተኛታት ንዝመጹ ጥርዓናት ዝምልከት እዩ። ኣብ ጥቅምቲ 19 ዘመልክት ኣባል ስድራ ዘለዎም ሕድገት መንበሪ ክግበረሎም እዩ። ስለዚ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ወይ ድሕሪኡ ዘመልክት ኣባል ስድራ እንተሎካ ናይ መናበሪ ረቓሒታት ከም እተማልእ ምርግጋጽ ከድልየካ እዩ። እዚ ማለት ንስኻ ይኹን እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘእተወ ኣባል ስድራኻ ዘናብረኩም ኣታዊ ከም ዘለኲም ከተረጋግጹ ክትክእሉ ኣለኩም። ብኻልኣይ ደረጃ ኣዂል መንበሪ ገዛ ‘ውን ክህልወኩም ክትሕተቱ ኢኹም።