ብ ሕምም ምርሳዕ (Alzheimer's) እትሳቐ 74 ዝዕድሜኣ ካትሊን ፑል፡ ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ ዓዳ ዓባይ ብሪጣንያ
ክትስጐጒ ምዃና ከም እተነግራ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ውሳነ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዓብዪ ቊጥዐ ፈጢሩ’ሎ። እዚ ኣናኾነ
ብዛዕባ እዛ ብሕማም እትሳቐ ሰበይቲ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ሕቶ እኳ እንተቕረቡ፡ እዚ ክቐርብ ብዘይምኽእሉ በቲ ዘሎ ሓበሬታ
ተሞርኪሶም ነቲ ውሳነ ምሃቦም ኣፈኛ ኤጀንሲ ስደተኛታት ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ’ሎ።
“ቤተሰባ ከይትስጐጒ እንድሕር ዝደልዩ ኮይኖም ተወሳኺ ሓበሬታ ሒዞም ክመጹ ኣለዎም” ክብል እቲ ኣፈኛ ወሲኹ
ኣተሓሳሲቡ’ሎ።