ብመሰረት ኣብ ቀረብ እዋን ዝወጸ ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ሃገራዊ ማእከል ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ስደተኛታት 2 ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ። ብመሰረት እዞም ሓደስቲ ኣሃዛት ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ብተኸታታሊ ሶርያውያን ዒራቓውያንን ፊንላንዳውያንን እዮም።
ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ 190,209 ተወላዶ ሶርያ 145,602 ተወላዶ ዒራቕ 145,487 ከኣ ተወለድቲ ፊንላንድ ምንባሮም ተመልኪቱ’ሎ። ካብ 40ታት ዝጀመረ ስደት ፊንላንዳውያን እቲ ዝበዝሐ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ክቱር ዋሕዲ መጠን ወሊድ ቊጽሮም ምንካዩ ይፍለጥ። ብመሰረት እዞም ኣሃዛት ካብ መላእ ህዝቢ ሽወደን ሕጂ 19 ሚእታዊት ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም። ኣብ ዓመተ 2018 ቊጽሪ ስደተኛታት ሽወደን ምስ ዓመተ 2000 ብምንጽጻር ብ 80 ሽሕ ምዝያዱ ይፍለጥ።
ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘለዉወን ምምሕዳር ከተማታት ቦቲክራ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ምዃኑን ክሳ 41.6 ሚእታዊት ተቐማጦኡ ፊንላንዳውያን ምዃኖምን እቲ ጸብጻብ የመልክት። ስቶክሆልም ማልምን ዮተበሪን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘለዉወን ከተማታት ተባሂለን ይጥቀሳ።