ብኮቪድ ናይ ዝሓሙ ህጻናት ቊጽሮም ዝወሓደ እኳ እንተኾነ ሳሕቲ ግና ብዝተፈልየ ኣገባብ ዝጥቅዑ ህጻናት ምህላዎም ተገሊጹ።
ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ህጻናት እውን ከይተረፉ ናይ ነዊሕ እዋን ስቓይ ከጋጥሞም ይኽእል እዩ።
ህጻናት ካብ ምፍዛዝ ጀሚሩ መትናዊን ካልኦት ብዙሓት ናይ ነዊሕ እዋን ብ ሳዕቤናት ኮቪድ ከም ዝረኣዩዎም ብ ዩኒሴፍ እተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ።
“እዞም ህጻናት ልክዕ ከምቶም ናይ ዓበይቲ ዝመስል ምልክታት እዚ ሕማም እዮም ዘርእዩ ዘለዉ” ክብል ክኢላ ክንክን ህጻናት ጆናስ ኤፍ ሉድቢግሰን ሓቢሩ።