ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ናይቶም ብኣግኡ ምትዕርራይ ግብሪ ክግበረሎም ዘመልከቱ ሰባት፥ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን
ክነጻጸር እንከሎ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ዓመት ብ 55% ከም ዝወሰኸ፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ብቋንቋ
ሽወደን "ስካተር የምክኒንግ” ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ፥ ዝኾነ ሰብ ካብ ዕዳ ግብሪ ሃዲሙ ብዝብል ንኸይሕተት፥ ወይ ድማ
ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ግብሪ ንኸይከፍል፡ ግብሩ ክስተኻኸል ዝሓተሉ ኣገባብ እዩ፡፡ ስለዚ ድማ እዚ ኣገባብ ሽወደናውያ ልክዕ መጠን
ግብሪ ክኸፍሉ ዝሕግዝ እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደን ክኢላ ሕጊ ፒያ ብላንክ ቶንሩስ፡ ተጌሩ ዘሎ ወሰኽ ግብሪ ብቐንዱ ብሰንኪ
ልዑል ዋጋ መነባብሮ ዝመጸ ምዃኑ ገሊጻ’ላ። ብጌጋ ዝወሓደ ግብሪ ዝኸፍሉ ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ባንክ ቀረጽ ክግበረሎም ምዃኑ
ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።