ኣብ መዓልቲ ክንደይ ዝኣክል ማይ ክንሰቲ ኣሎና? ካብ 2 ክሳብ 3 ሊትሮ ዝኣክል ማይ ክንሰቲ ከም ዝግባኣና ክኢላታት ይመኽሩ። ለውጢ ክኾነካ እንተድኣ ደሊኻ ድማ፡ ብቐሊሉን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ገዛ ከተዳልዎ ብእትኽእል ዝሑል ናይ ኣትክልቲ ሻሂ ክትሰቲ ትኽእል ኢኻ።እንድሕሪ እዚ ዘድክመካ ኰይኑ ተሰሚዑካ ዝበረደ ሻሂ ምኡዝ ተኽሊ ክትሰቲ ትኽእል ኢኻ።
ዝኾነ ውዑይ ሻሂ ናብ ዝሑል መስተ ክቕየር ይኽእል እዩ። ብዘይካ እቲ ያታዊ ቀይሕ ሻሂ፡ ስትሮበሪ፡ ኔክታሪን፡ ሊቺን ለሚንን ዝኣመሰሉ ፍሩታታት ከምኡ’ውን ከምኒ ሚንታን ሮዝሜሪን ዝኣመሰሉ ምኡዛት ኣትክልቲ ብምድሃኽ ሻሂ ምስራሕ ይከኣል እዩ።
እንተኾነ ግና ናይ ከርከደ (ዓይነት ዕምባባ) ሻሂ፡ ነዊሕ እዋን እንተ ተጠጂኡ ኣመና ክመጽጽ ስለ ዝኽእል፡ ካብ ምስታዩ ክንቁጠብ ይግበኣና ክብል ኣብ መሸጣ መስተታት እተዋፈረ ኣሌክሳንደር ቡች ይሕብር። እዚ ግን፡ መጠነኛ ሽኮር ብምውሳኽ ክስተ ይኽእል እዩ ብምባል ወሲኹ።
ቱፋሕን ፔሪ ዘለዎም መስተታት ግን ኣይመጽጹን እዮም ዝበለ ቡች፡ ናይ ፍረታት ሻሂ ብዘይ ከርከደ፡ ከም ቀጠልያ ሻሂ ዝኣመሰሉ ምስታይ ቀንዲ ተመራጺ እዩ ይብል። ሜንታ ዘለዎም ዓይነታት ሻሂ ውን ተመረጽቲ እዮም። ምኽንያቱ ናይ ገዛእ ርእሶም መቐረት ስለ ዘለዎም፡ ተወሳኺ ሽኮር ዘድልዮም ኣይኮነን።
ውዑይ መስተ ንምዝሓል፡ እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ኣጸቢቕካ ኣፍሊሕካ ኣብ ፍሪጅ ምእታው፡ ወይ በረድ ምንጣብ እዩ። እቲ መስተ መታን ከይፎኩስ ብዝሕ ዝበለ ዓይነት ሻሂ ምጥቃም ሓደ መፍትሒ እዩ። ንኣብነት 4 ማንካ ጥራይ ትጥቀም እንተኔርካ ናብ 8 ወይ 12 ማንካ ከተብዝሖ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ካልኣይ ኣማራጺ፡ ኣብ በራድ ናይ ሻሂ በረድ ምምላእ እዩ። እቲ ዝተዳለወ ሻሂ፡ ናብቲ በረድ ዝመልአ መትሓዚ ብምእታው ብቕልጡፍ ከምዝዝሕል ይኸውን’ሞ፡ ሕብሩን ጣዕሙ ከየጥፍአ ክጸንሕ ይኽእል።