ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ዝወጸ ናይ ልዕሊ 50 ሰባት ምትእኽኻብ ዝእግድ መምርሒ እተን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከብ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ብዘይ ኣፈላላይ ኣብዚ ክረምቲ ከተግብረኦ ክግደዳ ምዃነን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።
እዘን መዘናግዒ ቦታታት፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝጸደቐ ናይ ኣሃዱ ጥዕና መምርሒ፡ ብፍሉይ ተጠሚተን ካብቲ እገዳ ነጻ ክኾና ተስፋ ገይረን ነይረን። ይኹን እምበር፡ እቲ ብመንግስቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ስረሐን ንኸይቅጽላን ከተኣታትወኦ ንዝሓሰባ ናይ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ መደባት ከምዘበርዓኖን ገሊጸን።
ሓደጋ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ጌና ስለዘሎ ነቲ ብኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጸ መምርሒታት ምትግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ሚኒስተር ዳምቤሪ ኣረጋጊጹ።