ብሰንኪ እቲ ክቐርብ ዝግበኦ ናይ ሕክምና መሳለጥያታትን ቀረባትን ኣብ ብዙሓት ሆስፒታላት ብዘይምድላዉ ዘጋጠመ ናይ ኣማኢት መጥባሕታት መዓልቲ ምስግጋር ጠንቂ ብምግባር፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እተን ነዚ ናይ ሆስፒታል ቀረብ ክዳልዋ ውዕል ዝነበረን ኩባንያታት ወግዓዊ መርመራ ክኸፍት ምዃኑ ወሲኑ። ኣድላይ ናይ ሕክምና መሳርሒታት ዘቕርባ ኩባንያታት ምስ ሆስፒታላት ዝኣተወኦ ውዕል ብዘይ ምትግባረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምምሕዳራር ኦብሳላ፡ ሶርምላንድ፡ ፋስትማንላንድ፡ ዳላርናን ኦረብሮን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቐን።
ብሰንኪ እዚ ዘጋጠመ ተርእዮ፡ ሂወት ብዙሓት ሰባትን ሕሙማትን ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐን እዚ ድማ ብኾነ መለክዒ ቅቡል ከምዘይኮነን ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ኩነት ከጋጥም ከምዘይነበሮን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግረን፡ ንማዕከን ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። እታ ሚኒስተር ቀጺላ፡ ቀረብ ናይ መድሃኒትን ንሕክምና ዘድልዩ ነገራትን ብመንገዲ መንግስታውያን ኩባንያታት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ናይ ጸጋማዊ ሰልፊ ጠለብ ከምዘይትሰማማዓሉ ገሊጻ።