እዚ ደረጃ ብመንጽር ብዝሒ ሕዝቢ ዝተሰርሐ ምዃኑን ኤስቶንያ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከም እተሰርዐትን ተፈሊጡ። ብመሰረት ኣሃዛት ኤጀንሲ መድሃኒት ሽወደን ኣብ 2017 ጥራይ 626 ሞት ብሰንኪ መድሃኒት ምግጣሙ ክግለጽ እንከሎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ግና ነቲ ኣሃዝ ናብ 959 ክብ ኣቢልዎ’ሎ።
ምስ መድሃኒት እተኣሳሳረ መጠን ሞት ሽወደናውያን ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዕጽፊ ወሲኹ’ሎ። መርማሪት እቲ በዓልመዚ ሚሚ ኤሪክሰን “እዚ ዘሰንብድ ቊጽሪ እዩ፥ ገለ ክንገብር ኣሎና” ኢላ’ላ።