ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ንፈለማ ግዜ መርመራ ስርዓተ ምክልካል፡ ሕሙማት ኮሮና፡ ምስ ኣካየዱ፡ ሓደ ፍሉይ ዝኾነ ሕማም ረኺቦም። እቲ ስርዓተ ምክልኻል ንገዛእ ርእሱ ሕማም ኮይኑ ጸኒሑ።
70 ዝኾኑ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ህጻናት፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮና እተኸስተ ብሓድሽ MIS-C ዝተባህለ ሕማም ተለኺፎም ምጽነሖም ተፈሊጡ።
ብመሰረት እዞም ተመራመርቲ፡ ቀንዲ ምልክታት እዚ ሓድሽ ሕማም፡ ቃንዛ ኣብ ከብዲ፡ ዕግርግር ምባልን ልዑል መጠን ረስንን ኮይኑ ኣብ ገለ ህጻናት ዕውልውል ምባልን ትሑት ናይ ምሕሳብ ክእለትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከም ዘርእዩ ገሊጾም ኣለዉ።
ብዘይካ’ዚ፡ ሳሓ ቆርበት፡ ምቕያሕ ኣዒንቲ፡ ዝኣመሰሉ ምልክታት ክረኣዩ እንከለዉ ንገሊኦም ህጻናት ድማ ድኹም ዝኾነ ንጥፈታት ልብን ትሑት ጸቕጢ ደምን ወቕዒ ልቢ የስዕበሎም። እዞም ህጻናት እዚኣቶም፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም እዩ።
ድሕሪ መልከፍቲ ኮሮና፡ ኣብ ዝቕጽል ሓደ ወይ ክልተ ኣዋርሕ፡ ሓድሽ ነድሪ ከም ዝኽሰትን፡ ብምኽንያት ፍኹሰት እዚ ሕማም፡ እቶም ቈልዑ ከይተረፉ ንምልላዩ ክጽገሙ ከም ዝኽእሉ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ዶ/ር ፒተር ብሮዲን ምስ ናይ ሽወደንን ጣልያንን ተመራመርቲ፡ ንባህርያት ስርዓተ ምክልኻል ናይቶም በዚ ሓደገኛ ነድሪ ዝተጠቕዑ ህጻናት፡ ንኸጽንዑ ናይ ፈለማ ዳህሳስ ዘካየደ እዩ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ካብቶም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ነድሪ ዝተጠቕዑ ህጻናት ናይ ደም ቅምሶታት ብምውሳድ፡ ምስ ተመሳሳሊ፡ ካዋሳኪ፡ ዝተባህለ ዓይነት ሕማም ኣዋዳዲሮም።
እቲ ነድሪ ምስ ሰለስተ ዓይነት ዝተፈልዩ ረኽሲታት ከም ዝመሳሰል እኳ እንተሓበሩ፡ MIS-C ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍልይ ዝበለ ኩነት ዘለዎ ሓድሽ ነድሪ ምዃኑ ዶ/ር ፐሮደን ገሊጹ።
ዛጊት እዞም ህጻናት ብልዑል መጠን ኮርቲሶን ክሕከሙ ይግበር ምህላዉን ውጻኢታዊ ኮይኑ ከምተረኽበን ይፍለጥ። ብሓፈሻ ንህይወት ህጻናት ዘስግእ ኩነታት ከም ዘየሎ ዶክተራት ሓቢሮም ኣለዉ።