ኣብ ደንማርክ ዝርከብን ኣብ ዓለምና ዝበለጸ ቤት መግቢ ምዃኑ ዝንገረሉን “ኖማ” ክዕጾ ምዃኑ ዝውጸ ሓበሬታ ከም “ሞት
ጥዑም ድራር” ተጌሩ ይውሰድ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ ስቶክሆልም እውን ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብዙሓት
ኣብያተ መግቢ ተዓጽየን እየን።
ብሰንኪ ልዑል ዝቕባበን ለበዳ ኮሮናን ኣብያተ መግቢ ብዙሕ ሃስያ ከም ዝወረደን፡ ዋጋታት መግቢ ኸኣ ኣዝዩ ምውሳኹ፡ ኣብ
መግቢን መስተን ኣተኲሮም ዝጽሕፉ ፐር ስቲረጋርድን ኣልቢን ወስማንን ይገልጹ። ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ብሉጻት ሰራሕተኛታተን
ስራሕ ንምርካብ ናብ ካልእ ብምግዓዞም ኣብያተ መግቢ ተወሳኺ ግድል ከም ዘጋጠመን ሓቢሮም። ንሶም “ጥዑም ድራር
ኣይሞተን” ዝብል እምነት ከም ዘለዎም፡ እንተኾነ ግና ኣብያተ መግቢ ዝጸንሐ ኣካይዳአን ክቕይራ ከድልየን እዩ ክብሉ ገሊጾም
ኣለዉ። ንሶም “ኣብያተ መግቢ ዘይክፈሉ ተለማመድቲ ሰራሕተኛታት ምጥቃም ከቋርጻ ኣለወን” ክብሉ ለበዋኦም ኣቕሪቦም
ኣለዉ።
ድሕሪ ለበዳ ኣብ ሰራሕተኛታት ርኡይ ምጒዳል ከም ዘጋጠመ፡ ወሰኽ ዋጋ ኣስቤዛን ፍርያትን ከኣ ን ሽግር ኣብያተ መግቢ ከም
ዘጋደዶ ኣልቢን ወስማን ገሊጹ’ሎ።