ብሪጣንያ ማዕከን ዕቃበ ጫካ ኣማዞን ንምስሳን ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ን ብራዚል ተመባጺዓ። ሓድሽ መራሒ ብራዚል
ሉላ ዳሲልቫ ኣብ ዕቃበ ጫካ ኣማዞን ጽንዕ ዝበለ መርገጺ ሒዙ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ከምኡውን
ፕረሲደንት ብራዚል ዳልቫ ኣብ ከተማ ላንደን ድሕሪ ምርኻብ እዮም ብዛዕባ እዚ ንማዕከን ዕቃበ ኣማዞን ዝኣተወ ሓገዝ ገንዘብ
ገሊጾም ዘለዉ። ኣብ ኣህጒር ላቲን ኣመሪካ ዝርከብን “ሳንቡእ ዓለም” እናተባህለ ዝጽዋዕን ጫካ ኣማዞን፥ ብዘይካቲ ክበጽሖ
ዝጸንሐ ሰፊሕ ምብራስ ኣግራብ፥ ካብ ባህርያዊ ጋዝ፥ ነዳዲን ዘይትን ካልእን ብከላ ክበጽሖ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
“ኣብ ጒዳይ ምልዋጥ ክሊማ ፕረሲደንት ሉላ ጽቡቕ ብቕዓት መሪሕነት ኣርእዩ’ሎ” ክብል ሱናክ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ
ገሊጹ’ሎ። ብሪጣንያ ናብዚ ማዕከን ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ምውፋያ ከም ዘሐጎሳን እዚ ድማ “ ብርሰት ኣግራብ
ንምክልኻልን ብዝሓ ህይወት ንምዕቃብን ክውዕል ምዃኑ” ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት
ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ኖርወይን ጀርመንን ብምሕባር ነዚ ተበግሶ ሕውየት ኣማዞን ጀሚርዎ እኳ እንተነበረ፥ እዚ ምስ
ምምጻእ ፕረሲደንት ቦልሶናሮ ደስኪሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።