ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ሻሚማ በጉም፡ ናብታ ሃገር ከይትምለስን ዜግነታ ክስረዝን ምውሳኑ “ጥሕሰት ግዝኣተ ሕጊ እዩ” ክብል ሓደ ጉጅለ ሲቪላዊ መሰላት ተማጒቱ። ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ነቲ ሻሚማ በጉም ናብ ብሪጣንያ ክትኣቱ ዝሃቦ ፍቓድ ደጊሙ ውዱቕ ድሕሪ ምግባሩ እዩ እዚ ናይ ተቓውሞ ምጉት ስዒቡ ዝመጽእ ዘሎ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ሻሚማ ምስ ገለ መሓዙታ ናብ ሶርያ ብምኻድ ምስ ዳዕሽ ብምጽንባራ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ምዃና ዝዝከር እዩ። ንሳ ጓል 15 ዓመት ትሕቲ ዕድመ እናሃለወት እያ ናብ ዳዕሽ ተጸንቢራ። ኣብ ዓመተ 2019፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሶርያ ናይ 9 ወርሒ ነፍሰጾር ኮይና ከም እተረኽበት ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ጒዳያ ምስ ጸጥታ እታ ሃገር ብምትሕሓዝ ናብ ብሪጣንያ ከይትምለስን ዜግነታ ክሕከኽን ምውሳኑ ገሊጹ’ሎ። ጓል 21 ዓመት ሻሚማ ን ውሳነ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ብምቅዋም ናብ ብሪጣንያ ተመሊሳ ጥርዓና ክትቅጽል ከም ዝግባኣ ገሊጻ’ላ። “ይግባይን ጥርዓንን ግቡእ መሰል እኳ እንተኾነ ቅድሚ ጸጥታን ድሕነትን ህዝብና ግና ኣይንሰርዖን ኢና” ክብል ሎርድ ሪድ ገሊጹ። ሓርነት ሰብኣዊ መሰላት ዝተባህለ ጒጅለ ግን፡ ብዘይ ግቡእ መስርሕ ሕጊ ዜግነት ሰብ ምቕንጣጥ ጥሕሰት ግዝኣተ ሕጊ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።