ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ንመትከል እግሪ (försörjningsstöd) ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝዋሃብ ሓገዝ ንኽረኽቡ፡ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ከም ቅድመ ኩነት ክስራዕ ኣለዎ ዝብል፡ ብማእከላይን ሊበርላዊን ሰልፊታት ተደጊፉ፡ መንግስቲ፡ ሓድሽ እማመ ናብ ሽማግለ ሕጊ ምቕራቡ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ።
ብኸምዚ ኣገባብ፡ ስደተኛታት ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ብዝለዓለ ደረጃ ንኽሳተፉን ብኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ዕዳጋታት ሽቕለት ዝዓበየ ዕድላት ንኽረኽቡ ተባሂሉ ዝወጸ እማመ ምዃኑ፡ እቶም ወገናት፡ ገሊጾም።
ምልከት ቋንቋ ሽወደን ከመሓይሹ ዝግብኦም ኣለዉ፡ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሌና ሃሊንግረን፡ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ብዙሕ ቋንቋታት ምፍላጥ ጸጋ እዩ ዝበለት እታ ሚኒስተር፡ ሓባራዊ ቋንቋና ዘይምፍላጥ ግን ዓቢ ጸገም እዩ ብምባል፡ ነቲ ሓድሽ እማመ፡ ከም ኣገዳሲ ጽገና ክትብል ገሊጻቶ።
ከምዚ ዓይነት እማመ ምትእትታው፡ ቋንቋ ሽወደን ንምምሃር ዘተባብዕን ንመስርሕ ውህደት ዘቀላጥፍን እዩ ድማ ኢላ። ቋንቋ እንተ ዘይትፈልጥ ኮንካ፡ ሓሳብካ ክትገልጽ ኣይትኽእል፡ ንሰባት ክትርደኦም ውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ብሓጺሩ፡ ቋንቋ ሽወደን እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ኣባል ናይ ሕብረተሰብና ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ ክትብል፡ ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ።
ኣብ ምስትምሃር ቋንቋ፡ ብፍላይ እተን ኣብ ወጻኢ ዝተወልዳ ደቀንስትዮ፡ ዝያዳ ብድሆታት ከም ዘጋጥመን ዘመልከተት ኤክስትሩም፡ ከምዚ ዝበለ እማመ ምትእትታው፡ እወንታዊ ውጽኢት ክህልዎ እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ ትብል።
ኣብ ወጻኢ ዝተወልዳ ደቀንስትዮ፡ ከምተን ኣብ 50ታትን 60ታትን ዝነበራ ደቀንስትዮ ሃገርና፡ ዝረኸበኦ ዕድላት ሽቕለት ንኽረኽባ፡ ኣገዳስነቱ ዝለዓለ እዩ ክትብል፡ ኤክስትሮም፡ ወሲኻ ኣብሪሃ።
እዚ እማመ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።