ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝወጸ እማመ ሕቶ ዕቚባ ኣዝዩ ዘሻቕል” እዩ ተባሂሉ። እዚ እማመ መንግስቲ ብሪጣንያ ብመንገዲ
“ኢንግሊሽ ቻነል” ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ንዝኣትዉ ስደተኛታት ናይ ዕቚባ መሰል ዝኽልክል እዩ። ብዘይካዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ
ዝኣተዉ ኣብ መጻኢ ዜግነት ብሪጣንያ ክወሃቡ የብሎምን ዝብል ነጥቢ የልዕል እዩ።
እዚ እማመ ነቶም ዕቚባ ንምሕታት ግቡእ ምኽንያት ዘለዎም እውን ዝዓግት እዩ ክብል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት
UNHCR ኣተሓሳሲቡ። ብዘይካዚ ን ኣህጒራዊ ሕጊታት ዝጥሕስ እዩ ክብል ወኪል ኮሚሽን ስደተኛታት ኣብ ብሪጣንያ ቪኪ
ቴናንት ተቓውሞኡ ኣስሚዑ። እዚ ይዂንምበር ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ንዂሉ ሕጋዊ ብድሆታት ብምስጋር ነዚ ሕጊ
ተግባራዊ ንምግባር ክጽዕር ምዃኑ ኣሚቱ’ሎ።
ብወገን “ኢንግሊሽ ቻነል” ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ 2022 ቊጽሮም ናብ 45,000 ክብ ምባሉ ጸብጻብ
ቢቢሲ የመልክት።