ኩባንያ ፈይስቡክ፡ ንናይ ሓደ ሰብ ውልቃዊ ሕሳብ ፈይስቡክ ብምስራዙ፡ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ዘይሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ብምባል ነቒፍዎ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሒሳብ ናይዚ ውልቀ ሰብ ክስረዝ ዝተገብረ፡ ብሰንኪ ዝጸሓፎ ዓሌታዊ ጽሑፋት ምዃኑ እኳ እቲ ቤት ፍርዲ እንተ ኣመነ፡ ኩባንያ ፈይስቡክ፡ ቅድሚ እቲ ስጉምቲ ምውሳዱ፡ ነቲ ሰብ ከጠንቅቖ ነይርዎ ክብል ገሊጹ።
ንናይ ጽልእን ዓሌታዊ ጽሑፋትን ዝሓዘሉ መልእኽታት ዝኸውን ተጻዋርነት የብልናን፡ ስለዝኾነ ድማ ናይዚ ሰብ ጽሑፍ ክስረዝ ነይርዎ ክብል ወሃብ ቃል ፈይስቡክ ሓቢሩ።
ገለ ካብቲ ውልቀ ሰብ ዝጸሓፎ፡ “እስላማውያን ስደተኛታት ኣብ ጀርመን፡ ናይ ቅትለት ገበን ወላ እንተ ፈጸሙ፡ ካብ መቕጻዕቲ ብቐሊሉ ከምልጡ ይኽእሉ እዩም” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ እዩ ነይሩ።
ካብ ዓመተ 2018 ንነጀው፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ኣንጻር ጽልእን ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ናይ ምፍርራህ ተግባራትን ዝጸንዑ ሕግታት ከምዘጽደቐን፡ ንፈይስቡክ፡ ትዊተርን ዩ ትዩብን ድማ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መልእኽታት ክስርዙ ምምሕጻኑ ይዝከር።