ቅድሚ ን”ሶሻል” ምሕባር ምዝርራብ ወለዲ ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ፈሪሆም ንደቆም ካብ ትምህርቲ ኣብኲሮም ኣብ ገዛ ከጽንሑ መሰል አለዎም’ዶ? ኣብዚ ሕጂ እዋን ወለዲ እንታይ ክገብሩ ይግባእ? ዝብሉ ሕቶታት ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቤት ትምህርቲ በዲሆም ይርከቡ። ሓደ ተማሃራይ ምስ ዘቡክር፡ እታ ቤት ትምህርቲ ምኽንያት ብኩራት ከተጻርን ንምምሕዳር ኣከባቢ ደዊላ ክትሕብርን ሓላፍነት ኣለዋ። ምምሕዳር ኣከባቢ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ብምጽራይ ከም ኣድላይነቱ ንህዝባዊ ኣገልግሎት “ሶሻል” ይሕብር ብምባል ትውስኽ።
ብኩራት ካብ ቤት ትምህርቲ ነቲ ተማሃራይ ብሕጊ የሕትቶን ምስ ሕግታት ቤት ትምህርቲን ሶሻልን ብቐጥታ ዝተሓሓዝ እዩ። ይኹን እምበር፡ እተን ቤት ትምህርታት ቅድሚ ናብ ምምሕዳር ኣከባቢ ናይ ምሕባር ስጉምቲ ምውሳደን ምስቶም ደቆም ኣብ ገዛ ከጽንሑ ዝመርጹ ወለዲ ምዝርራብ ክህሉ እቲ ዝስርሕሉ ኣገባብ ምዃኑ ኣማኻሪት ቤት ጽሕፈት ጉድያት ቤት ትምህርቲ ዝኾነት ማርያ ኦልሰን ገሊጻ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሽሕ’ኳ ወለዲ ስግኣት እንተሃለዎም፡ እቶም ህጻናት ድማ ናይ ትምህርቲ መሰል ከምዘለዎም ክንዝንግዕ የብልናን። ስለዚ እቶም ህጻናት ግዳያት ንኸይኮኑ ናይ ክልተ ወገናት ምዝርራብን ምርድዳእን ሃዋሁ ክህሉ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምውሳኽ ገሊጻ።
ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ካብ ሓደጋ ምክልኻል ሓላፍነቱ ምዃኑን ኣብ “ሕጊ ሓላፍነት ወለዲ” ተጠቒሱ ከምዘሎ ኦልስትሩም ትበሃል ኣደ ትሕብር። ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ህጻናት ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ይኾኑ ከምዘለዉ ንርኢ ኣለና ስለዚ ንተመሃሮ ካብ “ብግዴታ ናብ ቤት ትምህርቲ ምጻእ” ምባል “ብግዴታ ክመሃር ኣለዎ” ኢልና እንተነተኩር ምሓሸ ትብል። እዚ ጉዳይ ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቤት ትምህርቲ ዝምልከት ዘይኮነስ ንቤት ፍርዲ ዝምልከት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሕማም ምልክታት እንተዘይብሉ ንቤት ትምህርቲ ክመጽእ ይግባእ። ይኹን እምበር እቶም ወለድን ቆልዑን ካብቶም ናይ ሓደጋ ጉጅለታት እንተኾይኖም ብውልቂ ፍታሕ ክናደየሎም ዝከኣል ምዃኑ ማርያ ኦልሶ ኣብ መደምደታ ሓቢራ።