ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ካብ ስራሕ ናይ ምስጓግ ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት እቶም ፍርቂ ካብ ስራሕ ከምዝተሰናበቱ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝመጸ ሓድሽ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ካብ ስርሖም ዝተሰናበቱ ሰባት ነቲ ኣብ 2008፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ዝሕታለ ዓለምና ኣጋጢሙ ዝነበረ ብዝሒ ቁጽሪ ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ሰባት፡ ሓሊፍዎ ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ን 42415 ሰራሕተኛታት ቅድመ-መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ከምዝነበረን ልዕሊ 21000 ሰራሕተኛታት ድማ ካብ ስራሕ ተፋንዮም ከምዘለዉ እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ይሕብር።
ቅድሚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበራ ክልተ ሳምንታት፡ ንፈለማ ግዜ ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ብዝሒ ናይቶም ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝወሃቦም ስራሕተኛታት ክጎድል ተራእዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ሰሙን ክሳብ 800 ሰባት ጥራይ ቅድመ-መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኔር። ዝሓለፈ ሰሙን ግን እቲ ቁጽሪ ብምውሳኹ፡ ኣብታ ሰሙን ጥራይ ክሳብ 3060 ሰራሕተኛታት ቅድመ-መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም። እዚ ድማ ብሰንኪ ንፋብሪካታት ዘጋጥመን ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ምዃኑ ሓላፊት ኣሃዱ ትንተና ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝኾነት ኣኒካ ሶንደን ገሊጻ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ተሞክሮ ዘለዎም፡ ኣካዳምያዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎምን ቀዋሚ ስራሕ ዝነበሮም ስራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክሰናበቱ ንርኢ ኣለና። መንግስቲ ሽወደን ነቲ ደው ኢሉ ዝጸንሐ ንጥፈታት ውሽጣዊ መገሻ ካብ ዕለት 13/06/2020 ክጅምሮ ምውሳኑ ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ። ብፍላይ ድማ ነተን ኣጋይሽ ኣብ ምስትንጋድ ዝነጥፋ ኩባንያታትን ትካላትን ክትብል ብተወሳኺ ገሊጻ።