ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ን400 መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ከንሶም ኣብቲ ናይ መጻንሒ ኣባይቲ ክነብሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ካብቲ ዝነበርዎ ከባርሮም ከምዝወሰነ ንኣልኮምፒስ ኣብ ዝሰደዶ ጋዜጣዊ መብርሂ ሓብሩ። ብመሰረት እቲ መብርሂ፡ እቶም ዝበዝሑ ብናይ ትምህርቲ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኮይኖም ወግዓዊ ናይ ገዛ ምልቃቕ ውሳኔ ካብ ዓርቢ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ክንገሮም ምዃኑ ኣፍሊጡ። ናይቶም 400 መንበሪ ገዛ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ ወከፎም ምዃኑ እቲ መብርሂ ብተወሳኺ ይሕብር። ነፍሲ ወከፍ እዚ ውሳኔ ዝምልከቶ ሰብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ መንበሪ ገዛ ክደሊ ከምዝግባእ ሓላፊት ሃገራዊ ጨንፈር ምውህሃድ፡ ዎኒካ ሊንደስትራንድ፡ ኣብቲ መብርሂ ገሊጻ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 እዚ ቤት ጽሕፈት ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንዝምከቶም ሰባት ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረን ንምምሕዳራትን ኣውራጃታትን ሽወደን ድማ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ከምዝሓበረን ይፍለጥ። ብመሰረት ሕጊ ቤት ፍርዲ፡ ብጀካ እቶም ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ ተባሂሉ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሰባት፡ እቶም ብትምህርቲ ኮነ ብኻልእ ኣገባባት መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሰባት ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ክነብሩ ስለዘይግባእ እቲ ናይ ምብራር መስርሕ ይፍጸም ከምዘሎ እቲ መብርሂ ብተወሳኺ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ እቲ ቁጽሪ 750 ሰባት እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ናብ 400 ሰባት ወሪዱ ከምዝርከብ ገምጋማት ጨንፈር ኢሚግሬሽን ይሕብሩ። ምምሕዳራት ከተማ ነዞም ሰባት ዝኸውን ግዝያዊ መንበሪ ንኸዳልዋ ብመንግስቲ ሽወደን 60 ሚልዮን ክሮነር ሰሊዑለን ከምዘሎን ካልኦት ሰብኣውያን ማሕበራት ውን ነዞም ሰባት ንምሕጋዝ ቅሩባት ምህላወን ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን ሓቢሩ።