ቤተሰብ ኣባላት ጒጅለታት ገበን፥ “ቤትኩም ብፈንጂ ከነዕንዎ ኢና” ዝብል ምፍርራህ ይመጾም ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።
በዚ ድማ፡ ድሕነቶም ክሕለወሎም ጥርዓን ዘቕርቡ ሰባት ብቚጽሪ እናወሰኹ ምምጽኦም፡ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ ቀረባ
እዋን ኣትሒዙ፥ ኣብ ስቶክሆልም ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ማዕበል ጎነጽ፥ ፖሊስ ን መርበብ ጒጅለታት ገበን ኣተኲሩ ዝዓዪ ‘ኣሃዱ
ፍሉይ ኣጋጣሚ” ከቚሙ ከም እተቐሰቡ ገሊጾም ኣለዉ። በዚ ኣቢሎም፥ ካብ ስድራቤት ኣባላት ጒጅለታት ገበን ናይ ተሌፍን
ጻውዒት ብምቕባል፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ይረኽቡ ምህላዎም ሓቢርም ኣለዉ።
ንድሕነቶም ካብ ዝተሻቕሉ ስድራቤት ጥራይ ዘይኮነ፥ ካብ ኣባላት ጒጅለታት ገበን እዋን ከይተረፈ፡ “ስድራና ዕላማ መጥቃዕቲ
ይኾኑ’ለዉ” ዝብል ጻውዒት ተሌፎን ይቕበሉ ምህላዎም፥ ሓላፊት እዚ ኣሃዱ ሃና ፓረዲ ትገልጽ። ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
እናተጋደደ ዝመጸ ጎነጻዊ ገበን ንምብዳህ፥ ፖሊስ ሽወደን ነዚ ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ምጥንኻር ይሰርሑ ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ
ስቶክሆልም ዝፍጸሙ ገበናት ዝምርምርን ዘወሃህድን ኮሚሽነር ፖሊስ ዩኣን ሪዝቪክ፡ “ፖሊስ ሽወደን ኣቀራርባኦም ብምቕያር
ኣብ ኣቐዲምካ ምክልኻል ኣተኲሮም ይሰርሑ ምህላዎም” ኣመልኪቱ።
“ኣባላት ጒጅለታት ገበን ንሓድሕድ ስድራቤቶም ስግኣት ድሕነት ይኾኑ ምህላዎም ዘሻቕል እዩ” ዝበለት ፓረዲ፥ ኣብዚ ሒዝናዮ
ዘሎና ዓመት፥ ኣብ ሽወደን 102 ምልውዋጥ ተዂሲታት፡ ከምኡውን 52 ምፍንጃራት በዞም ጒጅለታት ገበን ከም እተኻየዱ
ወሲኻ ገሊጻ። በዞም ተዂሲታት 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።