* ዘይብሱላት ደቀንስትዮ መደባተን ኣወንዚፈን ኣብ መደባት ካልኦት ሰባት ግዜአን ዘጥፍኣ እየን። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና ናይ ገዛእ ርእሰን መደባትን ውጥናትን ኣለወን።
* ዘይብሱላት ደቀንስትዮ፡ ምእንቲ ክኸብራን ክፍቀራን ገዛእ ህይወተን ብሕሱር ዋጋ ዝሸጣ እየን። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና ገዛእ ክብረን ምስአን ኣብ ውሽጠን ከምዘሎ ዝፈልጣን ብእንታይነተን ዝዀርዓን እየን።
* ዘይብሱላት ደቀንስትዮ ምልኩዓት ብዘይ ምዃነን፡ መጻምድተን ይኹኑ ካልኦት መቕርበን ከይጸልኡወንን ከይርሕቁወንን’የን ዝፈርሓን ዝጭነቓን። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና ጽባቐአን ደጋዊ ትርኢተን ዘይኰነ ውሽጣዊ ትሕዝቶአን ምዃኑ ኣሚነንን ፈሊጠንን ከም ገዛእ ርእሰን ኰይነን ዝጐዓዛ እየን።
*ዘይብሱላት ደቀንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ ብፍላይ ድማ መጻምድተን ክቆጻጸራኦን ኣብ ትሕቲአን ከእትዋኦን እየን ዝደልያን ዝጽዕራን። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና፡ እቲ ሰብ ናይ ብሓቂ ናተን እንተዀይኑ፡ ቁጽጽር ከምዘየድሊ እየን ዝፈልጣ።
*ዘይብሱላት ደቀንስትዮ ንመጻምድተን ኩሉ ግዜ በይነን ክብሕታኦ ይደልያ (ምስ ኣዕሩኽቱን መሓዙቱን ከዕልል ኣይደልያን)። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና ንቝሩብ እዋን ምፍንታት፡ ንዝራኸቡሉ ግዜ ፍሉይን ምቁርን ከም ዝገብሮ እየን ዝኣምና። * ዘይብሱላት ደቀንስትዮ በይነን ከይኰና ኣዝየን እየን ዝፈርሓ። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና፡ ንውልቃዊ ዕብየት ዝዀነን ግዜ ብምርካበን ብጣዕሚ እየን ዝሕጎሳ።
* ዘይብሱላት ደቀንስትዮ ንብሉጻት ደቂተባዕትዮ ክንዕቃኦም እየን ዝረኣያ። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና ንሕማቓት ሰባት እየን ዝንዕቃ። *ዘይብሱላት ደቀንስትዮ ዝነብዕ ወዲ ተባዕታይ ድኹም እዩ ኢለን እየን ዝሓስባ። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና እንግደዓአንን መንዲለንን እየን ዝውፍያሎም።
*ዘይብሱላት ደቀንስትዮ ብሓደ ወዲ ተባዕታይ እንተተጎዲአን፡ ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮ ብምጽላእ፡ ነቲ ዋጋ ኩሎም ክኸፍሉዎ እየን ዝገብራ። ብሱላት ደቀንስትዮ ግና ጎዳኢአን ሓደ ጥራይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጣ፡ ንኻልኣይ ዝምድና ኣይፈርሓን እየን።