ቢልን ሜሊንዳን ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ሓዳር “ሰብ ሓዳር ኴንና ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና” ኣብ ዝብል ምርድዳእ ከም ዝበጽሑ ገሊጾም ኣለዉ።
“ቅድሚ ኣብዚ ውሳነ ምብጻሕና ሓዳርና ንምምሕያሽ ብዙሕ ኢና ጽዒርና፥ ነዚ ጒዳይ እውን ኣዕሚቚና ኢና ሓሲብናሉ ኣብ መደምደምታ በጺሕና” ክብሉ ክልቲኦም ኣብ ዝሰደድዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም ኣለዉ።
ሜሊንዳ ናብ ትካል ማይክሮሶፍት ቢል ክትሰርሕ ምስ ጀምረት እዮም ኣብ 1980ታት ተራኺቦም። ሰለስተ ቆልዑ ከም ዝወለዱን ን ቢል ኤንድ ሜሊንዳ ፋውንዴሽን ብሓባር ከም ዘካይድዎም ድማ ይፍለጥ።
እዚ ትካል ሕማማት ለበዳ ንምውጋድን ክትባት ህጻናት ንምትብባዕን ቢልዮናት ዶላራት ከም ዘውጽአ ይፍለጥ።
ብመሰረት ፎርበስ፥ ቢል ጌትስ ብናይ 124 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ኣብ ዓለም መበል 4ይ ዝሃብተመ ሰብ ምዃኑ ይንገረሉ።