በዓልመዚ ህዝባዊ ስምዕታታት (ARN)፡ ዋጋ ትኬት ናይቶም ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ዝተቛረጹን ዝተቐየሩን መደባት ናብ ዓማዊል ክምለሱ ከምዝግባእ ምዝኽኻሩ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
እዚ በዓልመዚ ኣብ መንጐ ኲባንያታትን ዓማዊልን ዘሎ ክርክራት ምድቓስ ሓደ ካብ ስርሑ እዩ።
ናይቲ ኮሚሽን ኣቦመንበር፡ ማርኩስ ኤግረን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ” ዝኸፈለሉ ዘይረኸበ ዓሚል ገንዘቡ ክምለሰሉ መሰሉ እዩ” ኢሉ።
መግለጺ እዚ በዓልመዚ ዝመጸሉ ምኽንያት ሓደ ኣጋጣሚ ቅድድም ብሽግለታ እዩ። ብመሰረት እዚ ቅድድም ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት 50% ክፍሊት ክምለስ ግድነት ምዃኑ ኣቐዲሙ ተመልኪቱ እዩ።
እቲ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ሙዚቃዊ ምርኢት ኮይኑ እቲ ኣዳላዊ ንወነንቲ ቲኬት ድሕሪ ሓደ ዓመት ክኽሕስ መግለጺ ምውጽኡ እዩ።
“ሙዚቃዊ ምርኢት ዝካየደሉ ዕለት ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ድማ ኣዳላዊ ዝረኣየሉ ዕለት ባዕሉ ብምውሳን ብኸምዚ ኣገባብ ክኽሕስ እየ ምባል ኣገባብ ኣይኮነን” ድማ ኢሉ።