ፍርቂ ብዝሒ ናይቶም ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ (SVA) ዝምህሩ መማህራን ብቑዓት ዘይምዃኖምን ካብቶም ነዛ ዓይነት ትምህርቲ ዝከታተሉ ተመሃሮ 9ይ ክፍሊ ድማ ሓደ ሲሶ ኣብ ፈተና ከምዝተረፉን ሬድዮ ሽወደን ኣጋሊጻ። ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽንምህር ርኡይ ዝኾኑ ጸገማት የጓንፉና ምህላዎም ብሩህ እዩ። ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር መፍትሒ ዝኸውን ከነናዲ ድማ ግዴታና እዩ ክትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ሓቢራ።
ካብቶም ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝመሃሩ ተማሃሮ እቶም 40% ኣብ ሽወደን ዝተወልዱ ምዃኖም ኣሃዛዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ቋንቋ ንዝመሃሩ ተማሃሮ መገምገሚ ዝኾኑ ንጹራት መምርሒታትን ምኽርታትን የብልናን ክብሉ ርእሰ መማህራን ይሕብሩ። ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ምምሃር ዝግድድ ውሳኔ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ደረጃ ምልከት ቋንቋ ንምግምጋም ዝኾነ ዓይነት ፈተና ዝወሃብ ስለዘየለ፡ እቲ ውሳነ ብሽም ስደተኛታት ተባሂሉ ጥራይ ስለ ዝውሰድ ክትብል ናይ ቅድም ተማሃሪት ዝኾነት ሙና ፈሂም (19 ዓመት) ትሕብር።
ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ዝመሃሩ እቶም ዝተፈልየ ናይ ኣደ ቋንቋ ዘለዎም ተመሃሮ እዮም። ሓደ ተማሃራይ ቋንቋ ሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽመሃር ወይ ድማ ምስቶም ንቡር ትምህርቶም ዝከታተሉ ተማሃሮ ንኽመሃር ዝውስን እቲ ርእሰ መማህራን እዩ።