ኣርባዕቲአን ሰልፊታት የማናይ ክንፊ ዝተስማምዑሎም ጸገናታት ግዜ ዝሓቱ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን
ጸብጺባ።
እዚ ኣናኾነ፡ ህሉው ቊጠባዊ ኲነታት ኣብ ልዝብ ባጀት ናይ ባዕሉ ተጽዕኖ የሕድር ምህላዉ ሓዳስ ተሰያሚት ሚኒስትሪ ፋይናንስ
ኤልሳቤጥ ስቫንቴሰን ገሊጻ’ላ። ቅድሚ ናይ ሚኒስተርነት ሽመታ ቃለመሕትት ዝገበረት ስቫንቴሰን
"ህሉው ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኲሉ ነገር ኣብዚ ናይ ፈለማ በጀት ክትግበር ኣይከኣልን እዩ” ብምባል ቊጠባዊ ጽገናታት
ክደናጎዩ ከም ዝኽእሉ ሓቢራ’ላ።