ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ሃገሩ ቅልውላው ዩክሬይን ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ክረክብ እዩ ኢላ ብጽኑዕ ከም እትኣምን ን ቢቢሲ ኣብ ኣሃቦ ቃል ገሊጹ።
ሞስኮ ንዝኾነ ሃገር ናይ ምውራር ውጥን የብላን ዝበለ ቭላድሚር ቺዞቭ እንተኾነ ግና ሩስያ ናብ ኲናት ክትኣቱ ዝግበር ዘሎ ምትዂታዂ ደው ክብል ኣለዎ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ብሰንኪ ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ዝሓለፈ ሰኑየ-ሰሉስ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ማራቶን ክካየድ ምጽንሑ ካብ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን 100,000 ዝግመት ሰራዊት እኳ እንተጸግዐት ነታ ሃገር ናይ ምውራር ምንም ውጥን ከም ዘይብላ ክትክሕድ ጸኒሓ’ላ። እንተኾነ ግና ኣመሪካን ገለ ሃገራት ምዕራብን እዚ ወራር ሩስያ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ ክኽሰት ከም ዝኽእል ብምእማት ከጠንቅቓ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።