ኣብ ወርሒ ሰነ/2020፡ ቅልውላው ኮሮና እናሃለወ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ከምተሸጡ ተፈሊጡ። እዚ ቁጽሪ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈት ዓመት ዝነበረ ክወዳደር እንከሎ ብ1300 ኣባይቲ ከምዝዛይድ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ዝተሸጡ ብዝሒ ኣባይቲ ናይዚ ዓመት ብዝሒ ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ ክብል ኣብ ኩባንያ ቆጸራ ኣባይቲ (Mäklarstatistik) ሓላፊ ዕብየት ዝኾነ ሃንስ ፍሊንክ ገሊጹ።
ብዝሒ ናይቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተሸጡ ኣባይቲ ትሒቱ እኳ እንተነበረ ቀስ ኢሉ ግን ክውስኽ ተራእዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ዋጋታታ ኣባይቲ ጎዲሉ ከምዝነበረ ጸብጻባት’ቲ ኩባንያ ይሕብሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝፈጠሮ ምምዝባላትን ልዑል ብዝሒ ንመሸጣ ዝቐረቡ ኣባይትን ምንባሩ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ሰብ ካብ ገዛ ምስራሕ ምስ ዝጅምር፡ ዕዳጋታት መንበሪ ኣባይቲ ሰሓብቲ ይኾኑ። ምኽንያቱ ኣብ ገዛ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኮፍ ኢሉ ክሰርሕ ምስ ጀመር፡ ዝገፈሐ ቦታ ዘለዎ ገዛ ከምዘድልዮ ይርዳእ። እዚ ድማ ሓደ ካብ ክልሰ ሓሳባዊ ትንታነታት ክኸውን ከምዝኽእል ፍሊንክ ገሊጹ።