Källa BBC TIGRINJA
ኣብ ትግራይ ‘ደቅሰኹም ዘይጋደልኩም’ ብዝብል ወለድን ኣባላት ስድራን ተኣሲሮምን ተንከላቢቶምን ዝብል ክስታት ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።
ነዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረ ህይወት እቲ ድምዳመ ጌጋ እዩ እኳ እንተበለ፡ ገለ ምልክታት ከም ዝነበሩ ግን ተኣሚኑ።
“ምልክታት ነይሮም እዮም፤ እንተኾነ ወለዲ ዘእሰር ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ይጋደል ኣሎ እዩ። ምእሳር ጥራይ ኣይኮነን ካልኦት ምልክታት’ውን ግን ነይሮም እዮም። ሕዚ ኣብዝሓ እቶም ሽግራት ተፈቲሖም እዮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቶም ተራእዮም ነይሮም ዝበሎም ምልክታት ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
“ጫፋት ሒዝካ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዓጺኻ፡ ባዕሉ ንባዕሉ ክታዃተኽ ናይ ምግባር ኣጀንዳ’ውን ኣሎ እዩ” ዝበለ እቲ ሓላፊ ብውልቀ ሰባት ደረጃ ዝፍጸሙ ጎዶሎታት ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።