ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ከተማ ማልሞ ዘጋጠሙ ገበናት ምፍንጃር፡ ቅትለትን ቶኽስን መርኣያ ናይቲ ኣብ ሽወደን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝውስኽ ዘሎ ጎነጻዊ ገበናት ምዃኑን እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቴፋን ሎቨን ገሊጹ። ብምቕጻል፡ ኣንጻር ጎነጻዊ ገበናት ንዝቃለሱ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ምሉእ ደገፉ ገሊጹ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ፖሊስ ሽወደን ኣንጻር ናይ ገበን ጭፍራታት ደው ንምባል ብደረጃ ሃገር ናይ ተጠንቀቕ ኩነታት ኣዊጁ። ህዝቢ ሽወደን ኣብ መንገዲ፡ ኣብ ውሽጢ ገዝኦም፡ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኮን ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት ውሕስነት ክስመዖም ከምዝግባእ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን SVT ኣብ ዝገበሮ ቃለ ምሕተት፡ ሎቨን ገሊጹ። ዝተወደቡ ገበናት፡ ንሕብረተሰ ዝቐትል መርዚ ምዃኑን ሕብረተሰብ ድማ ኣንጻር ምሻጥ ዕጸፋርስ ምንጪ ኣታዊአን ዝኾና ዝተወደባ ናይ ገበን ጭፍራታት ብሓባር ክቃለስ ከምዘለዎ ብተወሳኺ ሓቢሩ።