ቀረጽ ዝኽፈለሉ ወቕቲ ትማል ረቡዕ ከም ዝጀመረን ዝውድኣሉ ናይ ግዜ ገደብ ከኣ ከም እተቐመጠሉን ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ
ድማ 8.3 ሚልዮን ሽወደናውያን ናይ ቀረጽ ቅጥዒ ብምምላእ ክሳብ 2 ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍሊቶም ክፍጽሙ እዮም
ተባሂሉ። ዘየድሊ ጌጋታት ንምውጋድ ሰባት ኣብ ክንዲ ብወረቐት ብኦንላይን ነዚ ቅጥዒ ክመልኡ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። ትማሊ
ጥራይ ሓደ ሚልዮን ሰባት ነዚ ቅጥዒ ምምልኦም ዝገለጸ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን፡ ዝበዝሑ ካብዞም ከፈልቲ ኣብ ምጅማር እዚ
ዓመት ኣዝዩ ብዙሕ ከፊሎም ስለዝነበሩ ካብ “ኣካብ ቀረጽ” ገንዘብ ክወስዱ ምዃኖም ወሲኹ ኣመልኪቱ። ቅድሚ ምውዳእ
እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ነዚ ቅጥዒ ዝመልኡ ሰባት፡ ኣብ ምጅማር ወርሒ ሚያዝያ ገንዘቦም ክቕበሉ እዮም።
ኣብ ስካትቨርከት ኣብ ዝርከብ “ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን” ሓላፊ ክፍሊ ኣሌም ሩስሎቪች፡ ነዚ ኣገባብ ሓደስቲ ዝኾኑ ሰባት ሕቶ
እንተለዎም ን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዳለወ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ ክውከሱ፡ ወይ ድማ ጻውዒት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም
ኢሉ’ሎ።