ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን እንተላይ ሰልፊታት መንግስቲ ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝምስረት ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ከም ዝቃወሙ ዝፍለጥ እዩ።፡ “እዚ ብቐንዱ ሕቶ ማዕርነት ጀንደር እዩ ኢልና ኢና ንኣምን” ክትብል ኣብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣፈኛ ጒዳያት ስድራቤት ኤይሊን ላንድግረን ሓቢራ። “ኣብ ሽወደን ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ምምርዓው ፍቑድ ኣይኮነን፥ ናብዚ ሃገር ሓደሽቲ ዝመጹ እውን እዚ ይምልከት እዩ” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣንስቲ ምድርራብ ከም ዝፍጸም ዘስተውዓሉ መርመርቲ ሽወደን ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ካብ ባሕቲ ሓምለ 2021 ንደሓር ንጹጋት ክኾኑ ኣለዎም ዝብል እማመ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ይዂን’ምበር ድሕሪ እታ ዝተጠቕሰት ዕለት ናብ ሽወደን ዝኣቱ ቅድሚ እዛ መዓልቲ ንዝተፈጸሞ ምድራብ ኣንስቲ ሸለል ከም ዝብሉ፥ እዚ ድማ ምኽንያቱ እቲ ሰብኣይ ምስ መጻምዱ ንውሕ ዝበለ ግዜ ብሓባር ብምጽንሑ ብምምልካት ምዃኑ ኣብቲ እማመ ይገልጹ። እንተኾነ ግና ባይቶ ነዚ እማመ ፈጺሙ ነጺግዎ’ሎ። ባይቶኣዊ ሽማግለ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ምድራብ ኣንስቲ ዘሎ ሕጊ ጸኒዑ ክቕጽል ይግባእ ኢሉ’ሎ። ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጊ ምጽንዑ ኣንስቲ እውን እንተደረበ ናብ ሽወደን እንክኣቱ ቃልኪዳኑ ዘይሕጋዊ እዩ ድማ ኢሎም።
ሰልፍታት ሶሻል ዴሞክራሲን ኣከባቢን ነዚ እማመ ከም እተሰማማዓሉ ገሊጾም ኣለዉ። ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ንኽቕበሎ ይደፋፍኡ ምህላዎም ድማ ተገሊጹ። እዚ እናኾነ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ካብዚ ሓሊፎም ህሉው ምድራብ ኣንስቲ ፈጺሙ ክንጸግ እማመኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣፈኛ ማዕርነት ጾታ እቲ ሰልፊ ኢባ ሃበርማንሶን ሕጊ ክጸንዕ ዝብል ጒዳይ ኣቐዲማ ኣስሚዓ ምንባራ ድማ ተዘኪሩ። “መኣስ ተፈጺሙ ብዘየገድስ ኣንስቲ ምድራብ ፍጹም ክንጻወሮ የብልናን” ድማ ኢላ።፡