ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንክታበት ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ጽባሕ ረቡዕ ፍቓድ ክህቦ ትጽቢት ከም ዘሎ ተገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሽወደን፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ሰሙን 11 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ነዚ መድሃኒት ብሰኑይ ፍቓድ ክህቦ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ እቲ ኤጀንሲ ብምሸቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ውሳኔኡ ከም ዝወንዘፎ ገሊጹ።
ኣብ መንጐ ኣባላት ሃገራት ይኹን ክኢላታትን ዝኾነ ዓይነት ዝካየድ ዘተ የለን ክብል ኣወሃሃዲ ክትባት ሽወደን ሪቻርድ ፒርስትሮም ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት፡ ዝበዝሐ እዋን ብዛዕባ ፎርማሊቲታትን ፍቓድ ፍርያትን ብዝምልከት መልሲታት ንምርካብ እዩ ኢሉ።
ካብ ኤጀንሲ መድሃኒት ፍቓድ ምስ ተረኽበ፡ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ነቲ ክትባት ንኽጅመር ቀጠልያ መብራህቲ ክህብ እዩ። እቲ ውሳኔ ናይ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክወሃብ ትጽቢት ንገብር ክብል ድማ ፐርስትሮም ድሕሪ ምሕባሩ ምስ ፍርያት ናይ ኩባንያ ፋይዘር ዝተገብረ ውሳኔ፡ ክልተ ሰዓታት እዩ ወሲዱ ድማ ኢሉ።
ሽወደን ምስ ኩባንያ ሞደርና፡ ናይ 3.6 ሚልዮን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ስምምዕ ምኽታማ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ን 1.8 ሚልዮን ሰባት ከም ዝኣክል ዝፍለጥ እዩ። ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2021፡ ሽወደን፡ ብድምር ክሳብ 182 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብ ሞደርና ክትቅበል ትጽቢት ይግበር። እዚ መጠን ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ዓቢ ዝበሃል ኣይኮነን፥ እቲ መጠን፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ካብ ፋይዘር ንረኽቦ መጠን ተመጣጣኒ እዩ ክብል ፒርስትሮም ኣረዲኡ። ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ መጠን ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ክዛይድ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ምምሕዳራት ሽወደን፡ ዝሓለፈ ሰንበትን ሰኑይን 80 ሽሕ ዶዛት ክታበት ጸረ ኮሮና ካብ ኩባንያ ፋይዘር ዝወሰዳ ኮይነን ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ናይ 100 ሽሕ ዶዛት ካብ ሞደርናን ፋይዘርን ክቅበላ ምዃነን፡ እዚ መጠን ክዛይድ ከም ዝኽእልን ተገሊጹ።