ካብ ወጻኢ ሃገራት ብዝመጹ ሰባት ዝተኸስተ ልዑል መጠን ምልባዕ ሕማም ኮሮና ንምክልኻል ሽወደን ኣብ ከባቢታት ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ዝህሉ ጽሬት ክተትርር እያ። ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ካፒቴን ዝኾነት መርከብ ወይ ነፋሪት ዝዀነ ጥርጣረ ሕማም ምስ ዝህሉ ኣቐዲሙ ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ክሕብር ክሕተት እዩ፡ ዳይረክተር መዓርፎ ነፈርቲ ማልም ፒተር ወይንሃንድል ዘድሊ ምቅርራባት ምውድኡ ገሊጹ’ሎ።
ሽወደን ውሸባ ዘለወን ሸሞንተ ወደባትን ካብ ደበብ ንሰሜን ሓሙሽተ መዓርፎ ነፈርቲን እትውንን ሃገር እያ። ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ናብ 13 ምዕባዩን 8 ካብዚኣቶም ካብ ደገ ዝመጹ ምዃኖምን ትማሊ ሽወደን ኣፍሊጣ።