ሽወደን ነቲ ሃገራት ኣውሮጳ ብጽሒት ስደተኛታት ክማቐላ ዝድንግግ ረቛሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትጥንጥኖ ትኽእል እያ ክብል ሬድዮ ኤኮት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ንብዙሓት ዓመታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ጒዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝምልከት ሓባራዊ ራእይ ከቐምጥ ዝገበሮ ፈተነ ዘይምዕዋቱ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። መርገጺ ሽወደን ኲለን ሃገራት ብጽሒተን ኣብ ምውሳድ ምትሕብብር ከርእያ ኣለወን ዝብል እዩ ኔሩ። እዚ መርገጺ ሃንጋሪ እትመርሐን ብዙሓት ሃገራት ከም ዝነጸጋኦ ድማ ይፍለጥ። ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ላርስ ዳኔልሰን ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ሓባር ራእይ ክህልዎ ድዩ ኣብ ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ጒዳይ ምዃኑ ጠቒሱ’ሎ።
በዚ ኣገብብ ሽወደን ርሑቕ ክትጓዓዝ ከም ዘይትኽእል’ውን ኣስሚርሉ። ብኻልእ መዳይ ሓዳስ ኮሚሽነር ማግሬሽን ሽወደን ጀልፋ ጆሃንሰብ ዝርርብ ባጀት ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ገና መዕለቢ ከም ዘይተገብረሉ ኣመልኪታ። እዚ ባጀት ነዚ ሽግር ተወፋይነት ሃገራት ኣብ ምቕራፍ ወሳኒ ፍታሕ ክቕርብ ይኽእል እዩ ዝብል እምንቶ ምህላዉ እኳ እንተተመልክተ ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣምባሳደር ሽወደን ግና ” ኣብዚ ባጀት እንተተንሰማማዕ እውን ጒዳይ ስደት ብዘላቕነት ክንፈትሖ ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን” ክብል ገሊጹ’ሎ።