ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን እትገብሮ ዘላ ምሽብሻብ ከም ዝቃወም “ማሕበር ሰላምን ዕርቂን ሽወደን”–ወይ ከኣ ስቨንስካ
ፍረድስ–ገሊጹ። እንተኾነ ግና ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ሽወደን ንምጽንባር ሃገሮም ናብ ኔቶ ከም ዝድግፉ ኣቐድሞም ዝተኻየዱ
ዳህሳሳት የመልክቱ ።
“ሽወደን ነቲ ንዘመናት ሒዛቶ ዝነበረት ዘይሻራዊ መትከል ጠንጢና ኣባል ኔቶ ንምዃን ምውሳና ኣዝዩ ዘሕዝን ጌጋን ታህዋኽ
ዝመልኦን እዩ፥ እዚ ማለት ሽወደን ኣብዛ ብወተሃደራው ምትፍናን እትውጠር ዘላ ዓለም ናይ ባዕላ ብጽሒት ክህልዋ ምግባር ማለት
እኮ’ዩ” ክትብል ፕረሲደንት እቲ ማሕበር ክረስቲን በርጊያ ነቒፋ። ብዘይካዚ ሽወደን ኣባል ኔቶ እንድሕሪ ኮይና ኣብ መንጎ ሃገራት
ዝኽሰት ግርጭታት መንጎኛ (ዓራቒት) ንምዃን ኣዝዩ ከሸግራ እዩ ክትብል በርጊያ ወሲኻ ሓቢራ።
እንተኾነ ግና ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ ዝበዝሑ ሽወደናውያን ሃገሮም ኣባል ኔቶ ክትከውን
ከም ዝድግፉ ምርኣዩ ዝፍለጥ እዩ። ቅድሚ 140 ዓመታት ኣብ 1883 ዝተመስረተ “ማሕበር ሰላምን ዕርቂን ሽወደን”–ኣብ
ዓለምና ብዕድመ ዝዓበየ ናይ ሰላም ውድ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።