ንናእሽቱን ማእከሎትን ኩባንያታት ተባሂሉ ንልቓሕን ውሕስነት ልቓሕን ዝኸውን ናይ 128 ቢልዮን ክሮነር ድጎማ ተዳልዩ ከምዘሎ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ማግዳሊና ኣንደርሰን፡ ገሊጻ። ካብዚ ተሰሊዑ ዘሎ ገንዘብ ንመሻርኽቲ ኩባንያ “ ኣልሚ” 3 ቢልዮን ክሮነር ድጎማ ተሰሊዑላ ይርከብ። እዚ ድጎማ እዚ ነተን ናእሽቱን ማእከሎትን ኩባንያታት ዝኸውን ልቓሕ ንኽውዕል ተባሂሉ ዝተመደበ እዩ።
እዚ ድጎማ ነቲ ናይ ሽወደን ናይ ሰደድ ልቓሕ ናብ ዝላዓለ ጥርዙ ብምብጻሕ ነቲ ዝነበረ ናይ 125 ቢልዮን ክሮነር ናብ 200 ቢልዮን ክሮነር ክብ ኣቢልዎ ይርከብ። ብተወሳኺ ነቲ ውሕስነት ናይ ሰደድ ልቓሕ ውን ካብ 450 ቢልዮን ክሮነር ናብ 500 ቢልዮን ክሮነር ክብ ብምባል፡ እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 2008 ዘጋጠመ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።