ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ዔርዶጋን ሎሚ ምሸት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ተሰማሚዑ። እዚ ስምምዕ ቅድሚ እቲ ኣብ
ቪልኒየስ ዝካየድ ዋዕላ ኔቶ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ዔርዶጋንን ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾንን ምስ ሓላፊ ኔቶ ጀንስ
ስቶልተንበርግን ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ እዩ። ስቶልተንበርግ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኔቶ ሕጂ ንኹለን ኣባል
ሃገራት ዝያዳ ንምሕያል ክሰርሕ እዩ ኢሉ’ሎ። ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትዋንያ ቪልኒየስ ዋዕላኡ ክጅምር
እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ቱርክን ሃንጋሪን ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከጽድቓ ገና ልዑል ተስፋ ጌሩ ምጽንሑ ዝገለጸ ሚኒስተር
ጉዳያት ወጻኢ ቶብያስ ቢልስትሮም፥ ነቲ መስርሕ "ቅጽበታዊ ውድድር ዘይኮነስ ማራቶን እዩ" ክብል ሓቢሩ’ሎ። ፕረዚደንት ቱርክ
ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን ኣብ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ሓደ ዓንቃፊ ረቛሒ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።