ሽወደንን ቱርኪን ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝገበራኦ 7 ነጥቢታት ዘጠቓልል ስምምዕ፥ ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከተጽድቕ፡
ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራን ዝተወደበ ገበናትን ንነዊሕ ዝጸንሕ ሽርክነት ክፍጽማን ካልእን ቃል ኣትየን ኣለዋ። ኣብ
ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ተንታኒ ኣራስ ሊንድ፡ እቲ ስምምዕ ሽወደን ናይ መትከል ለውጢ ከም ዝገበረት ዘርኢ እዩ ይብል።
"ኣብ 2019 ሽወደን ብደረጃ ኤውሮጳ ምስ ቱርክ ዝግበር ንግድ ኣጽዋር ደው ክብል ሓቲታ ነይራ። ስለዚ እዚ ስምምዕ ብሓቂ
ሽወደን ንነዊሕ ዘካየዳ መትከላት ምቕያራ ህያው ኣብነት እዩ" ክብል ንሬድዮ ሽወደን ተዛሪቡ። ቱርኪ ሕጂ ሽወደን ኣባል
ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ– ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ ከተጽድቕ ድልውቲ ምዃና ዝገልጽ ዜና፡ ኣብ ሽወደናውያን
ዝተፈላለየ ስምዒትን ርእይቶን ፈጢሩ’ሎ። ሓንቲ ወሃቢት ርእይቶ “ዒርዶጋን ፈጣሪ ሽግር እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ፥ ድሌቱ ኸኣ ሃገሩ
ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምግባር እዩ፡ እዚ ኩነታት ክጠቕመና ድዩ ኣብ ዝብል ርግጸኛ ኣይኮንኩን ክትብል ገሊጻ። ካልእ ወሃቢት
ርእይቶ “ንብዙሕ ዓመታት ዘካየደና ኣብ ግርጭታት ዓለም ሻራ ናይ ዘይምውሳድ መትከል ምግዳፍና ጽቡቕ ድዩ ወይስ ጎዳኢ ርግጸኛ
ኣይኮንኲን። ርግጽ’ዩ ነብስና ክንከላኸል ከም ዝግብኣና እግንዘብ እየ” ክትብል ሓቢራ’ላ።