ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ክፋላት ሽወደን ዋጋታት ጸዓት ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ካብ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝነበረ ቀረብ ቱቦ ጋዝ ኣብ ኣጠራጣሪ ኲነታት ምውዳቑ፡ ከምኡ’ውን ካብ ንፋስ፡ ማይን ኑክሌሳዊን ኣገባብ ዝርከብ ጸዓት ብምንቊልቋሉ እዩ።
ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዘሎ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ በሰኑይ ናብ 4.9 ክሮና ን ኪሎዋት ኣወር ደዪቡ’ሎ። እዚ ዋጋ ቀረጽ፡ ክፍሊትን ካልእን ከይጸብጸብካ እዩ። ምኽንያት ክብሪ ዋጋ ጸዓት፡ ኣብ ዩክሬይን ዝግበር ዘሎ ኲናት እዩ ክትብል ኣብ ክፍሊ ቀረብ ጸዓት “እዮን” ኣካያዲት ዕድጊ፡ ኤማ ቦርግስትሮም ገሊጻ’ላ።