ሽወደን ኣብ ወቕቲ ጽድያ ክኽሰት ንዝኽእል ኻልኣይ ማዕበል ቫይረስ ኮሮና ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ዳይረክተር ህዝባዊ ጥዕና፡ ሓደ ሓድሽ ዜና ሒዙ ተቐልቂሉ’ሎ። ብመሰረት ዳይረክተር በዓል መዚ እዚ ትካል፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ኣባላት ስድራቤት ሕሙማት ኮሮና ቀይዲ ክጸዓኖም እዩ። ኣድላይ እንተ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ምምሕዳራት ከይተረፈ፡ ምውዳይ ማስክ ሓዊስካ ገለ ሕግታት ክጸዓን ይኽእል እዩ ክብል ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሌና ሃሊንግረን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሽወደን ንነዊሕ ዝጠመተ ኣገባብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ንምትግባር ትዳሎ ምህላዋ ገሊጻ።
በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሰለስተ ዓይነት ንድፍታት ኣዳልዩ ኣሎ። ዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ክቕንስ ተኽእሎታት ኣሎ ዝብል፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ውሱናት ምምሕዳራት ጥራይ ከውስኽ ዝብልን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብሃገር ደረጃ ክውስኽ ዝብሉን እዮም።
ሓደ ካብቶም በዓልመዚ ጥዕና ብኣትኩሮ ሒዙ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ እቲ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ውሱናት ምምሕዳራት ክውስኽ ይኽእል እዩ ዝብል ንድፊ ምዃኑ ሃሊንግረን ገሊጻ።
ህዝባዊ መምርሒታት ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል ጽድያ ከምዘለዎ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ኣብ ልዕሊ፡ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ተወሰኽቲ ቀይድታት ክግበር ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ምስ ሕሙማት ኮሮና ዝነብሩ ሰባት ውን ቀያዲ መምርሒ ክመሓላለፍ እዩ ክብሉ በዓልመዚ ጥዕናን መንግስትን ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግሊጺ ሓቢሮም።
እዞም መከላኸሊ ስትራተጂ ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉ ዝግበረሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ ብዙሓት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ለበዳ ኮሮና እናስፋሕፍሐ ምምጽኡ እዩ። ንምክልኻል ለበዳ ኮሮና፡ ሕጂ’ውን ርሕቀትካ ብምሕላውን ኣኣዳውካ ብምሕጻብ ከምኡውን ሕማም ምስ ዝስመዓካ፡ ኣብ ቤትካ ብምውሻብ፡ ክንከላኸሎ ከም ዝከኣል፡ ካርልሰን፡ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ምክልኻል እዚ ለበዳ፡ ኣብ ምምሕዳራትን ሽወደን፡ ውዱብ ምድላው ክህሉ ኣለዎ ዝበለ ካርልሰን ምስ ሕሙማት ኮሮና ዝኾኑ ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝነብሩ ሰባት፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ኣብ ገዝኦም ክሰርሑ ተላብዩ።
ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ክውስኽ እንተጀሚሩ፡ ማስክ ናይ ምኽዳን መምርሒታት ክመሓላለፉ ከምዝኽእሉ ካርልሰን ሓቢሩ።