ኣብ ዓመተ 2016፡ ባይቶ ፈረንሳይ፡ ጾታዊ ንጥፈታት ምዕዳግ፡ ከም ገበን ዝቖጽሮ ሕጊ ምስ ኣመሓላለፈ፡ ካብተን ኣብ ዓለምና ንጾታዊ ንጥፈታት ምዕዳግ ከም ገበን ዝቖጽረኦ ሃገራት፡ መበል ሓምሸይቲ ሃገር ክትከውን በቒዓ።
ነዚ ብሃገረ ሽወደን ዝተጀመረ ሕጊ ኣመልኪቶም ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ጾታ፡ ነቲ ብሃገረ ፈርንሳ ዝተደንገገ ሕጊ ጾታዊ ርክብ፡ ንውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮፓ ዝጥሕስ እዩ ክብሉ ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮፓ፡ ጥርዓኖም ብምቕራብ፡ እቲ ሕጊ ክስረዝ ሓቲቶም ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ሽወደን ብወገና፡ ሕጊ ጾታዊ ዕድጊ፡ ንኸይስረዝ ብምባል፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢዳ ከምዘእተወት ጸብጻባት ሬድዮ ኢኮት ሓቢሮም።
ሕጊ ጾታዊ ዕድጊ፡ ንመጀምርያ ግዜ ዘተኣታተወት፡ ሽወደን እያ። ንዝደንገገቶ ሕጊ ምክልኻል ድማ ኣገዳሲ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ውጽኢቱ ውን ኣብ ግብሪ ተራእዩ እዩ። ንንግዲ ሰብን ጾታዊ ምዝመዛን ድማ ብርኡይ መንገዲ ክዕንቅጾ ርኢና ኢና፡ ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ምስታ ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።
ኣንጻር እዚ ሕጊ ዝመሓላለፍ ውሳኔ፡ ንፈረንሳ ጥራይ ኣይኮነን ክጸሉ፡ ተመሳሳልነት ስለ ዘለዎ፡ ንሽወደን ውን ዝጸልዋ እዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ዘረብኡ ዛዚሙ።