ሰብመዚ ሽወደን፡ ነቶም ብሰንበት ካብ ብሪጣንያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቪተር ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ገያሾ ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ምኽልካሎም ንጋዜጣ ሎካል ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።
እቶም ዝምልከቶም ሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ዝቐረበ ምስክር ጥዕና (መርመራ ኮሮና) ናይዞም ገያሾ ከም ዘይቅበልዎ ምስ ተገልጸሎም ገለ ካብቶም ገያሾ፡ በታ ዝመጽዋ ነፋሪት ናብ ማንቸስተር ክምለሱ እንከለው ሓሙሽተ ገያሾ ግን፡ ክሳብ ውጽኢት መርመራኦም ንጽባሒቱ ዝንገሮም ኣብ መወሸቢ ቦታ ክጸንሑ ተጌሮም ኣለዉ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ 1 ጥሪ 2021 ጀሚሩ፡ ብዘይካ ንዜጋታት ሽወደን፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ሒዞም ካብ ብሪጣንያ ንዝመጹ ገያሾ ዘይቅበል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ’ዩ። ውጽኢት መርመራ ኮሮና፡ ቅድሚ 72 ሰዓታት ብፍሉጥ ላባራቶሪ ክግለጽ ኣለዎ ምባሉን ኣብ ብሪጣንያ ንዝተኸስተ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ዝምልከት ተወሳኺ እገዳታት ምንባሩ እውን ዝዝከር እዩ።
በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኹሎም ካብ ብሪጣንያ ዝምለሱ ዜጋታት ሽወደን፡ ናብ ሃገር ምስ ኣተዉ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ክውሸቡን ኣብ ሓሙሻይ መዓልቶም መርመራ ክገብሩን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።