ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣስታት 3500 ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ናብቲ ዝነበረ ቁጽሪ ከምተወሰኹ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሮም።
ቅድሚ እዛ ዝሓለፈት ሰሙን ኣብ ዝነበረት ሰሙን ልዕሊ 2000 ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ተመዝጊቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን ናብ 3500 ክብ ምባሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት ከውስኽ ምርኣይ ንቡር እኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ዓመት ግን ቀንዲ ግዳያት ስራሕ ኣልቦነት ኮይኖም ዘለው እቶም መንእሰያት እዮም ክትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓላፊት ዝኾነት ሳንድራ ኦዊሶን ትገልጽ።
መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ ከምዝኽእልን ኣብ ወርሒ የካቲት / 2021 ድማ ኣብ ጥርዚ ክበጽሕ ትጽቢት ተነቢርሉ ከምዘሎ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሓዲሽ ጸብጻብ ሓቢሩ።