መንግስቲን በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን፡ ንምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመልኪቱ ሓደሽቲ ናይ እገዳታት መስርሕ ኣብ ምትእትታው ከምዝርከቡ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ቀዳማይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፣ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሚኒስተር ሌና ሃለንግሬንን ናይ ገንዘብ ሚኒስተር፡ ማይክል ዳምበሪን ምስ ዋና ሓላፊ ናይ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን ካሪን ቴግማርክ ዊዘል ብሓባር ብምዃን ጋዜጣዊ መግለጺ ምሃቦም ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቴግማርክ ዊዘልን ሃለንግሬንን ኣብዚ ሰሙን ተግባራዊ ዝኸውን ሓድሽ መልከፍቲ ንምቁጽጻር ብዛዕባ ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምቲታት ውጥን ከምዘለዎም ገሊጾም ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ።
ዋላ’ኳ ብዝተወሰነ መልክዑ ዝትግበር ይኹን እምበር፡ ኣብ ገዛ ኴንካ ናይ ምስራሕ ኣገባባት ክተኣታተዉ ዝኽእሉ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ።
በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ከምዘቕረቦ ሓሳብ እንተድኣኾይኑ፡ ወነንቲ ቤት ዕዮታት ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ፡ ሰራሕተኛታቶም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ኽገብሩ ከምዝኽእሉ እዩ።
ብተወሳኺ’ውን መንግስቲ ንቤት መግብታት፣ ንስፖርት መዘውተሪ ማእከላትን ካልኦት ንዝኣመሰሉን ናይ ክትባት ወረቐት ምስክራት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ዝሓትት መምርሒ ዕላዊ ክግበር ከምዝኽእል ገሊጹ’ሎ። ንተግባራዊነቱ ድማ ነዚ ዝምልከት ዝኾነ እማመ ክጥቀስ ከምዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።
ካብ ታሕሳስ 1 ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝካየዱ ካብ 100 ሰባት ንላዕሊ ዝርከቡሉ ሙዚቃዊ ምርኢታት፣ ግጥማትን ካልኦት ህዝባዊ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ናይ ክትባት ናይ ወረቐት ምስክራት ከቕርቡ ከምዝተገብረ ዝፍለጥ እዩ።
ብተወሳኺ ‘ውን፡ ሰባት ናይ ሕማም ምልክት ኣብ ዘርእዩሉ እዋን ኣብ ገዛ ኾይኖም መታን ክሰርሑ፡ እቲ withdrawal deduction ኣብ ቀረባ እዋን ክተርፍ ክግበር ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።