ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ሽወደንን ኒውዚላንድን ኣንጻራዊ ፖሊሲ ይኽተላ ምህላወን ተገሊጹ። ሽወደን ኣብ ቤት ምስፋር ንዝብል ፖሊሲ ክትነጽጎ እንከላ ኒውዚላንድ ግና ነዚ ቫይረስ ንምዕጋት ጥራይ ዘይኮነ ጨሪስካ ንምጥፋእ ትሰርሕ ምህላዋ ተመልኪቱ። ነዚ ዕላማ ንምስላጥ ቀድማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሺንዳ ኣርደርን ነታ ብውቅያኖስ እተኸበት ሃገሩ ንወርሒ ምሉእ ክትውሸብ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ።
ኒውዚላንድ ኣርባዕተ ዝደረጃኡ ናይ ህጹጽ እዋን ፖሊሲታት እያ ትኽተል ዘላ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚራ ድማ ገለ እገዳታት ብምልዓል ናብ ሰለስተ ደረጃታት ከተውርዶ እያ ተባሂሉ’ሎ። ኣየነይተን ሃገር እያ ንምቊጽጻር ለበዳ ኮሮና ዝሰለጠ ፖሊሲ ትኽትል ዘላ ዝብል ክትዓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብረስኒ ይቕጽል ምህላዉ ድማ ተፈሊጡ። ኣየነይቲ ሃገር እያ ዝበለጸ ፖሊሲ ተሳልጥ እያ ዘላ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ሬድዮ ሽወደን ምስ ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ወጻእተኛታት ዓላል ጌራ’ላ።