ኣብ ፈለማ መፋርቕ 2019 ሽወደናውያን ካብ ባንኮማት ዘውጽእዎ ጠቕላላ ገንዘብ 41 ቢልዮን ክሮና (4.18 ቢልዮን ዶላር ) ከም ዝበጽሕን እዚ ማለት ኣብ ወርሒ 633 ክሮና ኣውጺኦም ኣለዉ። እዚ ምስ ናይ ዓሚ እንክነጻጸር ናህ 10 ሚእታዊት ምጒዳል ምርእዩ እውን ተገሊጹ። እዚ ዘርእዮ እንተሎ ሽወደናውን ዝወሓደ ገንዘብ ይጥቀሙ ምህላዎም እዩ።
ብኣንጻሩ ንሽወደናውያን ናብ -“ገንዘብ ዘይጥቀሙ” ማሕበረሰብ ናይ ምቕያር ስራሕ ብዙሕ ነቐፌታ ከም ዘጋጠሞን ባይቶ ሽወደን ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓድሽ ሕጊ ከሕልፍን ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ሕጊ ባንካታት ኣብ 2021 ዓማዊል ነዊሕ ከይተጓዕዙ ገንዘብ ዘውጽኡሉ ኣገባብ ከመቻችኣ እየን።
ብዓበይቲ ባንካታት ዝውነን ባንኮማት ኣብታ ሃገር ናይ ዝህሉ 80 ሚእታዊት ምውጻእ ገንዘብ ዝፍጸመሉ ኮይኑ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክሳብ 1670 ዝኾና ማሺናት ኣለዋኦ ይበሃል። ብተወሳኺ ኣብዚ መዳይ Ica ከምኡ’ውን Kontanten ኣገደስቲ ተራ ከም ዝጻወታ ይፍለጥ። ክልቲኣተን ክሳብ 500 ናይ ATM ማሽናት ኣለወን።