ቅዋም ናይታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም እቶም ካልኦት ሕጊታት ልዕልና ዘለዎ ኾይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ካሊእ ሕጊ ምስቲ ቅዋም ዝደንገጎም ሕጊታት ብተጻራሪ ክስራዕ ኣይክእልን’ዩ። ከምቶም ካልኦት ሕጊታት’ድማ ብቐሊሉ ክማሓየሽ ኣይክእልን’ዩ። ምምሕያሽ ክግበር እንድሕር ኣድላይ ኮይኑ ድማ፡ እቲ ባይቶ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ኣብ ክልተ ዝተፋላለዩ እዋናት ተመሳሳሊ ውሳኔ ክውስን እንድሕር ተገይሩ ጥራሕ ይኸውን። ብዛዕባ እዞም ክልተ ውሳኔታት ኣመልኪቱ ድማ ክልተ ግዜ ፓርላኔሜንታዊ መረጻ ክግበር ናይ ግድን ይኸውን።
እቲ ቅዋም፡ ብዛዕባ ቅርጺ መንግስቲ ሸወደን፣ ውርሻ ዙፋን፣ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ናይ ምዝራብ ናጽነት፣ ካልኦት መሰረታዊ ናጽነታትን መሰላትን ኣመልኪቱ መምርሕታት ይህብ።
• ናይ 1974 መሳርሒ ናይ መንግስትቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓንቀጽ እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ዝማሓደረሎም መሰረታዊ መትከላት ናይ ፖለቲካ ይገልጽ። እዚ መምርሒ፡ ዕዮታት ናይቲ መንግስቲ የነጽር፣ ብዛዕባ መሰረታዊ መሰላትን ናጽነታትን ህዝቢ ሽወደን ይድንግግ፣ ኮምኡ ድማ ነቲ ባይቶ መረጻ ብዛዕባ ዝግበረሎም ኣገባባት መምርሒ ይህብ።
• ናይ 1810 ሕጊ ናይ ውርሻ፡ ዙፋን ሽወደን ብኸመይ ኣገባብ ናብቲ ዝቕጽል ኣካል ከምዝሳጋገር መምርሒ ይህብ፥ እዚ ማለት ድማ መን ንጉስ ወይድማ ንግስቲ ይኸውን/ትኸውን ዝብል ሕቶ የነጽር።
• ናይ 1949 ናጽነት ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ዝገልጽ ሕጊ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ናጽነት ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ኮምኡ ድማ ብዛዕባ ወግዓዊ ሰነዳት ናይ ምርካብ መሰልን ይትንትን።
• ናይ 1991 መሰረታዊ ሕጊ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ዝብል ዓንቀጽ ኾይኑ፡ ብራድዮ፣ ቴሌቪዥን፣ ፊልምን ተመሳሰልቲ ሓደሽቲ ሚድያታትን ተጠቂምካ ብናጽነት ብዛዕባ ናይ ምዝራብ መሰል ይትንትን።