ሽወደናዊትን ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፡ ፍሉያት ሓይልታት ሽወደን ሒዛ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ዓሊባ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዕላማ ናይዞም ሓይልታት፡ ንበዓል በዚ ኢሚግሬሽንን ኣብ ካቡል ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደንን ንዜጋታት ሽወደንን ኣብቲ ኤምባሲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን ናብ ሸወደን ንምምላስ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ሓገዝ ንምሃብን ከም ሓለዋ ናይታ ነፋሪትን፡ ኮይኖም ንምግልጋል ተሰዲዶም ከም ዘለዉ ተገሊጹ።
ኣባላትና፡ ንመስርሕ ምምላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክዉን ንምግባር ዝካኣሎም ይገብሩ ኣለዉ ክብል ጋዜጣዊ ወሃብ ቃል ሓይልታት ሰራዊት ሽወደን፡ ፊሊፕ ሲሞን፡ ገሊጹ።
ናብታ ብቅልውላው እትሕመስ ዘላ ካቡል ንምብራር፡ ካልኣይቲ ሽወደናዊት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ተዳልያ ከምዘላን ኣብቲ ኤርፖርት ዘሎ ኩነታት፡ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ምዃኑን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣን ሊንደ፡ ገሊጻ።
ኣቐድም ኣቢለን ኣሜሪካ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይ፡ ደርመንን ፈረንሳይን ንመስርሕ ምምላስ ዜጋታተን ንምቅልጣፍ፡ ወተሃደራተን ሰዲደን ምንባረን ይዝከር።